Monday , May 20 2024
Credit: Janerik Henriksson/TT

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ገለ ከፈልቲ ግብሪ መርበብ ሓበሬታ ኤጀንሲ ግብሪ ንምርካብ ይጽገሙ ኣለዉ።

ትካል ከፈልቲ ግብሪ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዘጋጠሞ ዓብዪ መጥቃዕቲ ጒሒላታት ሳይበር (ሃከራት)፥ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ
ክቃለስ ከም ዘሕለፈን፥ እቲ ጒሕለት ዘምጽኦ ሳዕቤናት ንምውጋድ ገና ይሰርሕ ምህላዉን ተፈሊጡ። ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝርከባ
ሓያሎ ኣድራሻታት IP፡ ብሰንኪ ኣጠራጣሪ ንጥፈት ሕጂ’ውን ዕጹዋት ምህላወን ፣ በዚ ማለት ከፈልቲ ግብሪ ናብቲ መርበብ

ሓበሬታ ክኣትዉ ይኽእሉ ከም ዘየለዉ ተሓቢሩ። በዚ ኲነታት ተጸሊኹም እንተሃሊኹም ፥ ብዝተፈለየ መርበብ ሓበሬታ፡
ምናልባት ኣብ ስራሕ ወይ ቤት ብጻይኩም ኴንኩም ክትኣትዉ ፈትኑ ክትብል ዮሰፊን ኦስትፌልት ኣተሓሳሲባ’ላ።

 

Credit: Janerik Henriksson/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com