Sunday , May 19 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሰባት ንዝያዳ ጸርፊን መድሃልትን ዝተቓልዑ እዮም ተባሂሉ።

ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ንላዕሊ ኣብ ቦታ ስራሕ ናይ ምድሃልን ጸርፍን ኲነታት ከም
ዘጋጥሞም– እቲ ምጽራፍ ድማ ብፍላይ መብዛሕትኡ ግዜ ሞራል ዝትክንፍ ምዃኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊንሾፒንግ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር
ስነ-ልቦና ማይክል ሮዛንደር ገሊጹ። ካብ ሽወደን ብባህሊ ኣዝዮም ኣብ ዝፍለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ኤስያ ዝተወልዱ ሰባት፡
ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ሰባት ብኣርባዕተ ዕጽፊ እዚ ዓይነት መድሃልቲን ጸርፍን ከምዘጋጥሞም መጽናዕቲ ሮዛንደር
ይሕብር። እዞም ጸገማት ብፍላይ ኣብተን ድሮ ጽቡቕ ዘይሰርሓ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ኣብተን ኲሎም ሰራሕተኛታት ንመድሃልቲ
ቅሉዓት ዝኾኑለን ትካላት ኣጸቢቑ ይረአ’ሎ። ብፍላይ ኣብቶም ሕዳጣን ጒጅለታት እዚ መጥቃዕቲ እናተጋደደ ምምጽኡ–ሬድዮ
ሸወደን ጸብጺባ ።
ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዝወርዶም ሰባት ኣብ ቦታ ስራሕ ንዘሎ ተወካሊ ጥዕናን ድሕነትን ጥርዓኖም ከቕርቡ ይግባእ።
"ዘስርሓካ ሰብ ካብ ሓደገኛ ናይ ስራሕ ሃዋህው ክሕልወካ ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎ። ግቡኦም እንተዘይፈጺሞም ከኣ፡ ከምኡ ንኽገብሩ
ድፍኢት ምግባር የድልየካ" ይብል ኣብ ስቶክሆልም ሓላፊ ትካል ሓባሲ ንብዓትን ማሕበር ሰራሕተኛታት ጀስፐር ዊክሉንድ።

 

 

Credit: Henrik Montgomery/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com