Sunday , May 19 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / kod 50090

ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ናይ ቃላት ልውውጥ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ

ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ስምዒት፣ ዘሰንብዱ ሳዕቤናት፣ ሕጽበተ-ሓንጎልን ኣንጻር ሩስያ ዘቕነዐ ምሒር ጽልኣትን”። እዞም ቃላት እዚኦም፡ ብሰኑይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬይን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብዝምልክት ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ዝነበረ ረጽሚ ዝተሰምዑ ቃላት እዮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ።
ሩስያ ነቲ ኣኼባ ክትዓግቶ’ኳ እንተፈተነት፡ ብናይ ሓባር ድምጺ ናይቶም መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ፡ እቲ ፈተነ ክሳኻዕ ኣይከኣለን።
ኣብቲ ብኣቆጻጽራ ሸወደን ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣምባሳደር ሩስያ ዝኾነ ቫሲሊይ ኔበንዚያ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዛዕባ ጉዳይ ዩክሬይን ብዝምልከት “ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝኾነ ስምዒት ብምልዕዓል” ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኽእከብ ድፍኢት ገይራ ክብል ከም ዝኸሰሰ ተፈሊጡ’ሎ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ ዋላ ሓደ ናይ ሩስያ ተወካሊ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ንምክያድ ውጥን ከም ዘሎ ዝተዛረበ በዓል መዚ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ዜጋታት ዩክሬይን ብምዕራባውያን “ብምሒር ጽልኣት ናይ ሩስያ (Russophobia)” ንኽምልኡ “ሓንጎሎም ይሕጸቡ (brainwashed)” ከም ዘለው እዩ ዝኸስስ።
ንሱ ወሲኹ’ውን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ስምዒታት ኣብ ምልዕዓልን ጣቋ መደረ ኣብ ምድርዳርን ኮምኡ’ውን ነገራት ኣብ ምጽሕታርን ከምዘላ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሰደር ዝኾነት፡ ሊንዳ ቶማስ ብወገና፡ መልሲ ክትህብ እንከላ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ፡ ንድሕሪት ዘትረፈቶም ቃላት ኣይነበሩን። ንሳ ከምዝበለቶ፡ ሩስያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ዶባት ቤላሩስን ዩክሬይንን ተጸግዖም ዘላ ቁጽሪ ወታሃደራታ ብምውሳኽ ናብ ልዕሊ 30,000 ከም ዘብጸሐቶም ሓቢራ’ላ።
እንድሕር ሩስያ ንዩክሬይን ክትወራ ክኢላ፡ ዝኾነ ይኹን ወገን ‘እዚ ነገር’ዚ ክመጽእ ይኽእል እዩ ኢልና ኣይሓሰብናን’ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና ብምባል፡ እቶም ሳዕቤናት ዘስካሕክሑ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቓ።
ብዛዕባ ናይ ውግእን ወረ ውግእን ኣልዒልካ ምዝርራብ ንባዕሉ ምፍትታን እዩ። እዚ ንባዕሉ እቲ ኲናት ዳርጋ ንክኸውን ምዕዳም ማለት እዩ ክብል ቫሲሊይ ኔበንዚያ መልሲ ከም ዝሃበ ተፈሊጡ።
ሩስያ እቲ ዋዕላ ንኸይካየድ ብዙሕ’ኳ እንተጸዓረት፡ ካብቶም 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እቶም 10 ነቲ ዝቐረበ ናይ ሩስያ ሓሳብ ከምዝተቓወሙዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ብወገኑ ኣገዳስነት ናይቲ ኣኼባ ንባይቶ ጸጥታ ንኸእምን፡ እቲ ሩስያ ኣብ ጉዳይ ዩክሬይን ትኽተሎ ዘላ መስርሕ ብዝምልከት “ኣንጻር ዓለምለኻዊ ሰላምን ድሕንነትን ኮምኡ ድማ ኣንጻር ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቻርተር” ዘቕነዐ ከምዝኾነ እዩ ዝወቅስ።
ሩስያ ብወገና ንምስላጥ ናይቲ ዋዕላ ብዝምልከት፡ ናይ ሕብረተሰብ ዓለም ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝተገብረ ፈተነ እዩ ብምባል ከም ዝገለጸቶ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ሓደ ኣዛራራቢ ዝኾነ ዛዕባ (piquant detail) እንተሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኖርወይ፡ ናይ ባይቶ ጸጥታ ፕረዚደንት ብምዃን ተገልግለሉ ግዜ ክሳብ ሰኑይ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ግና ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ማለት’ዩ፡ እቲ ቦታ በቲ ናይ ምብርራይ መስርሕ መስረት ናብ ሩስያ ዝማሓላለፍ ምዃኑ እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com