Friday , May 17 2024

ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ መምርሒ ፍቓድ መኪና ተመንጢሎም

ኣብ ቀዳሞት 6 ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ኣስታት 20,303 መምርሒ ፍቓድ መኪና ከምተመንጠለን (ከምተሳሕበ) ምስ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብልዕሊ 10% ወሲኹ ክብል በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ከም ዘቃልሐ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ መጠን ብዝሒ ናይ ዝተመንጠሉ መምርሒ ፍቓድ መኪና፡ ክዓቢ ተራእዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ፡ ኣባላት ፖሊስ ትራፊክ ንብዙሓት ጥሕሰት ሕጊ ዝፈጸማ መካይን ደው ከብሉ ብምኽኣል እዩ ክብል ወሃብ ቃል ፖሊስ፡ ሚካኤል ኣንደርሾን፡ ሓቢሩ።

ኣሃዛት ፖሊስ ትራፊክ ከምዝሕብሮ፡ 80% ካብቶም ጥሕሰት ሕጊ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ደቂ ተባዕትዮ ምንባሮም ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com