Sunday , May 19 2024
coronavirus (AP Photo/Martin Meissner) MME105

ኣብ ዓለም፡ 5 ሚልዮን ሰብ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ምሟቶም ተረጋጊጹ

ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር፡ ድሮ ክልተ ዓመታት ኣቕጺሩ ኣብ ዘሎ እዋን፡ 5 ሚልዮን ሰባት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልዩ ጸብጻባት ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣረጋጊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ለብዳ ኮቪድ-19፡ ንድኻታት ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃብታማት ሃገራት ውን ብማዕረ ከምዘጥቀዐን ስታቲስቲካዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣሜሪካ፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብራዚልን ልዑልን ማእከላይን ኣታዊታት ዘለወን ሃገራትን ኩለን 1/8 ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝሓቖፋ ከንሰን፡ ዳርጋ ፍርቂ ብዝሒ ናይቶም በዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት፡ ካብዘን ሃገራት ምንባሮም እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ፡ 740 ሽሕ ሰባት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ፡ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ሕማም ኮቪድ-19 ንሕማም ልብን ወቕዒ ልብን ተኸቲሉ፡ ሳልሳይ ዝለዓለ መጠን ሞት ዘስዕብ ሕማም ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ብዙሓት ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ኣብ ገዝኦም ብምሟቶምን ዋሕዲ መርመራን ኮቪድን ዘስዓቦ ሕጽረት ሓበሬታ ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ እዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት፡ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ገምጋማት ይሕብሩ።

ሩስያ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኤውሮፓ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብተን ብለበዳ ኮቪድ-19 ብኸቢድ ተለኺፈን ዘለዋ ሃገራት እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com