Friday , May 17 2024
Foto: Johan Nilsson / TT kod 50090

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ሽወደን ብዝሒ ዘለዎ ዕጸ ፋርስ ሒዛ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ ሽወደን ብዝሒ ዘለዎ ሓሽሽ ምስ ናርኮቲክ ምትእስሳር ዘለዎም መድሃኒታትን ካልኦትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም፡ ሬድዮ ሽወደን ካብ ፖሊስ እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ብምጥቃስ ሓቢራ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ ክሳብ 23 ኲንታል ሓሽሽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። እዚ ምስ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ናይ 14 ቶን ኣሃዝ እንክነጻጸር፡ ዘገርም ወሰኽ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ እዋን ለበዳ ዝነበረ ናይ ምንቅስቓስ ገደባት፡ ፖሊስ ኣብ ቃልሲ ጸረ ዕጸፋርስ አተኲሩ ጽቡቕ ዕድል ፈጢሩሎም ምንባሩ፡ ኣብ ማእከል ሃገራዊ መርመራ ማርያ ሊንድስታም ወሲኻ ኣመልኪታ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com