Monday , May 20 2024

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 5600 ሰባት ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ተኽልኪሎም።

ኣብ ዓመተ 2019፡ ፖሊስ ሓለዋ ዶባት ሽወደን 5600 ሰባት ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ከልኪሉ። ኣብ ዓመተ 2018፡ ቁጽሪ ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ዝተኸልከሉ ሰባት 6957 ነይሩ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብዘን ክልተ ዓመታት ዝተኸልከሉ ሰባት ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሓደ ነይሩ። ገምጋም ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ዝተኸልከሉ ሰባት መዓልታዊ 15 ሰባት ከምዝነበረ ጋዜጣ Sydsvenskan ሓቢሩ።

ኣብ ውሌርናኪን (ማልሞ) ን ዎክኖቶቦንክተን (ሄልሲንኪ) ዝርከብ ኤርፖርታትን መተሓላለፊ ዶባትን ናይ መጓዓዝያ ሰነዳት ክምርመር ከምዝጸንሑ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመንገዲ መሬትን ማይን ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ዝተኸልከሉ ሰባት ቁጽሮም ክውሕድ እኳ እንተተራእየ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብመንገዲ ኣየር ናብ ሽወደን ክኣትዉ ዝተኸልከሉ ሰባት ብኡ መጠን ከም ዝወሰኸ ጸብጻባት ፖሊስ ይሕብሩ። መብዛሕትኦም እቶም ንሽወደን ንኽኣትዉ ዝተኸልከሉ ሰባት ዜጋታት ዩክሬን ወይ ድማ ዜጋታት ናይ ቀደም ሃገራት ሶቬት ሕብረት ምዃኖም እቶም ስታቲካዊ ቁጽርታት ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com