Sunday , May 19 2024

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 600 ሽሕ ኲባንያታት ከም ዝተኸፍታ ተሓቢሩ።

ካብ ዓመታት 2010 ክሳብ 2019 ናብ 649 ሽሕ ዝኾና ኲባንያታት ኣብ ሽወደን ከም እተኸፈታ ንኲባንያ ምዝገባ ሽወደን ብምጥቃስ ቪስማ ኣካውንቲን ዝተባህለ ሶፍትዌይር ሓቢሩ። እዚ ምስታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓሰርተ ዓመት እንክወዳደር ናብ 18.5% ወሰኽ ምርኣዩ’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ቊጽሪ ውሱናት ትካላት ካብ 212 ሽሕ ናብ 435 ሽህ ምዕባዩ’ውን ተመልኪቱ። ብመሰረት ጸሓፍቲ ጸብጻባት እዚ ገዚፍ ቊጽሪ ብምክንያት ክለሳ ሕጊን ስርዓትን ወፍሪ ሽወደን ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣቐዲሙ ዝነበረ ሕጊ ናይ ወፍሪ ካፒታል ካብ 100 ሽሕ ዘይውሕድ እኳ እንተነበረ ሕጂ ግና ናብ 50 ሽሕ ክወርድ ከም እተገብረ ድማ ከም ምኽንያት ተጠቒሱ። ምስ ምእታው ሓድሽ ዓመት እዚ ካፒታል ናብ 25 ሽሕ ምውራዱ ድማ ንወፍሪ ኣጸቢቑ ከዛይዶ እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ’ሎ። ኣብ ሽወደን ሓደ ሚልዮን ዝኾና ምዝጉባት ኲባንያታት ምህላወን ይፍለጥ። እተን ዝበዝሓ ናእሽቱን ክሳብ 9 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ጥራይ ዝቘጽራን እየን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብጠቕላላ 64464 ሓደስቲ ኲባንያታት ስራሕ ምጅማረን፥ ምስ 2018 ብምውድዳር ድማ ናይ 63620 ወሰኽ ምርኣዩ ድማ ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com