Friday , May 17 2024

ኣብ የመን ብዝተኸስተ ሓያል ዝናብ፡ ሞትን ዕንወትን ኣጋጢሙ

ኣብ የመን ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ብርክት ዝበሉ ሰባት ምሟቶም፡ ኣብ ህንጻን ትሕተ ቕርጽን እታ ሃገር ድማ ከቢድ ዕንወት ከም ዝወረደ ቢቢሲ ሓቢሩ።

በዚ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ዝጀመረ ውሕጅን ዝናብን ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣዝዩ ብምሕያሉ፡ ኣሽሓት ስድራቤታት ብኣሉታ ተጸልየን ኣለዋ። ብሰንበት ጥራይ፡ ኣብቲ መንግስቲ ዝቘጻጻሮ ምብራቓዊ ኣውራጃ ሓድረሞት ከተማ ታሪም፡ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ናይ 167 ስድራቤታት መንበሪ ኣባይቲ፡ ብኸፊልን ምሉእ ብምሉእን ዓንዩ ኣሎ።

ከተማ ታሪም፡ ብፍላይ በቶም ብሕጡባት ጭቃ ዝተሃንጹ ኣማኢት መሳጊድ ዘለዉዋ ከተማ እያ። ኣብታ ሃገር ዝነውሐ መአዘኒ ዘለዎ መስጊድ ኣልሙሕዳር፡ ኣብዛ ከተማ እዩ ዝርከብ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል የመን እትርከብን ኣብ ኢድ ተቓወምቲ ዘላን ከተማ ያሪም፡ በዚ ኣብ ሰኑይ ዝሃረመ ዝናብን ውሕጅን ከም ዝዓነወት ተገሊጹ። ብሰንኪ ውሕጅ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ኣቕኒዑ ናብ ከተማ ሰንዓ ዝወስድ መንገዲ ተዓጽዩ ኣብ ልዕሊ ምህላዉ፡ ማይ ሓዘል ሕማም ለበዳ፡ ከየስፋሕፍሕ ስግኣት ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ።

ክልተ ሲሶ ካብቶም ብሰንኪ ኲናት፡ መጽለልን መግቢ ዘየማልኡ ዓይነታት ረድኤትን ዘድልዮም ዜጋታት የመን፡ ኣብ ደቡባዊ የመን ኣውራጃታት ዓደን፡ ላህጅን ዓባያን እዮም ዝርከቡ ይብል ጸብጻብ ቢቢሲ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com