Friday , May 17 2024
Looters carry items at Letsoho Shopping Centre in Katlehong, east of Johannesburg, South Africa, (AP Photo/Themba Hadebe) XTH103

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ማእሰርቲ ዙማ፡ ዓቢ ናዕቢ ኣኸቲሉ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንማእሰርቲ ጃኮብ ዙማ፡ ስዒቡ ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ብውሕዱ 72 ሰባት ምሟቶም ቢቢሲ ሓቢራ።

ዱኳናት ዝዝርፉን ዘቃጽሉን ናዕበኛታት፡ ምስ ፖሊስ ኣብ ጎነጽ ዝመልኦ ግርጭት ኣትዮም ምህላዎም ድማ ተገሊጹ። ትማል ሰሉስ ጥራይ፡ ኣብ ስዌቶ፡ ኣብ ዝነበረ ዘረፋ ብዝተኽስተ ጽቕጥቅጥ፡ ዓሰርተ ሰባት ምሟቶም ዝዝከር እዩ። ሓንቲ ኣደ እትነብረሉ ህንጻ፡ ብናዕበኛታት ብምቅጻሉ ጓላ ካብ ላዕላዋይ ደርቢ ናብ ታሕቲ ዘለዉ ሰባት እናደርበየት ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሰባት ይቀባበልሉ ኣለዉ። ሰራዊት እታ ሃገር እውን ነቲ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ተኸሲቱ ዘሎ ናዕብን ጎነጽን ንምህዳእ፡ ንፖሊስ ክሕግዝን ብምባል ተዋፊሩ ምህላዉን ተገሊጹ። ነዚ ናዕቢ ይመርሕዎ ኣለዉ ዝተባህሉ 12 ሰባት ከም እተለለዩ ዝገለጸ ፖሊስ እታ ሃገር፡ ዛጊት 1234 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ ክብል ኣረዲኡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com