Friday , May 17 2024

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተላበዐ ባርዕ፡ ታሪኻውያን ህንጻታት ይዓንዉ

ኣብቲ ቴብል ማውንተን፡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኲጀታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ባርዕ፡ ናብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን ከም ዘስፋሕፍሐን በዚ ድማ ኣማኢት ተመሃሮ ካብቲ ቦታ ክለቁ ከም እተገብረን ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እዚ ትማል ሰንበት ጥቓ ቤተ መዘክር ሴሲል ሮደስ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ብዘገርም ፍጥነት ከም እተላብዐን ሓደ ቤት መግቢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነወን ተፈሊጡ። ታሪኻዊ ቤት ንባብ እቲ ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ህንጻታትን እውን በዚ ባርዕ ተሃስዮም ኣለዉ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። ዛጊት 4 ሄሊኮፕተራት ባርዕ ናይ ምጥፋእ ዕዮ ይፍጽማ ኣለዋ ተባሂሉ።

ኣብ ከባቢ ሰዓት 7 ብዛዕባ’ዚ ባርዕ ንመጥፋእቲ ሓዊ ሓበሬታ ከም ዝመጾም ዝገለጸ ሃገራዊ ፓርክ ሳውዝ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ነቕጺ፡ እቲ ሓዊ ቀልጡፉ ክላባዕ ምኽኣሉ ገሊጾም።

እቲ ሓዊ ብዝተሓድገ መጋርያ ዝተፈጥረ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣፈናዊ መርመራ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com