Friday , May 17 2024

ኣብ ዳርፉር፡ ቊጽሪ ዝሞቱ ሰባት፡ 132 በጺሑ

ኣብ ዳርፉር፡ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግርጭት፡ ዛጊት 132 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ኣመሓዳሪ ክልል ምዕራብ ዳርፉር ገሊጹ።

መንግስቲ ሱዳን፡ ህይወት ሲቪላውያን ንምሕላው፡ ተወሰኽቲ ሓለዋ ጸጥታ ክልእኽ እየ ብምባል ዝኣተዎ መብጽዓ ከኽብር ዘይምኽኣሉ ኣመሓዳሪ፡ ፋርፉር መሓመድ ዓብደላ ዱማ፡ ገሊጹ’ሎ። ኣባላት መሳሊትን ማሕብረሰብ ዓረብን ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ኣልጀኒን፡ ብኸቢድ ብረት እተሰነየ ግጭት ተጸሚዶም ኣለዉ ክብል ካብ ቢቢሲ ኤዲተር ኣፍሪቃ፡ ዊል ሮስ፡ ገሊጹ።

ህዝቢ ዳርፉር፡ ነዞም ወገናት፡ ዕጥቆም ከውርዱ ጻውዒት ክገብሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዳርፉር ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com