Sunday , May 19 2024

ኣብ ዴኒማርክ፡ ጽዕነት ዕጸ ፋርስ ተታሒዙ

ፖሊስ ዴኒማርክ፡ ካብ ፖሊስ ጀርመን ብዝመጾ ሓበሬታ ተሓጊዙ፡ ካብ ብራዚል ናብ ዴኒማርክ ኣብ ኮንቴነር ተጻዒኑ  ዝበጽሐ 325 ኪሎ ግራም ኮኬን ዝዓይነቱ ዕጸ ፋርስ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ፖሊስ ጀርመን፡ ህላውነት ናይቲ ኣብ ኮንቴነር ተጻዒኑ ዝመጸ ኮኬን፡ ኣብ ጀርመናዊት ወደብ ብረመርሃቨን ምስ በጽሐ ከምዝፈለጦን ናብቲ ክራገፈሉ ዝተመደበ ቦታ፡ ዴኒማርክ፡ ንኽሓልፍ ከምዝገበረን ተፈሊጡ።   

ፖሊስ ዴኒማርክ፡ ነቲ ካብ ፖሊስ ጀርመን ዝመጾ ሓበሬታ ተቐቢሉ፡ ነቲ ጽዕነት ክከታተሎ ጀሚሩ። እቲ ጽዕነት ካብ ነጻ ወደብ ኮፐንሃገን ወጺኡ ኣብ ሓንቲ ካብ ፖስኪሊድ (Roskilde) ወጽእ ኢላ እትርከብ ህየድሁስነ (Hedehusene) እትበሃል ዓዲ ዝርከብ ኩባንያ በጺሑ። ኣብቲ እዋን፡ ፖሊስ ዴኒማርክ ናብቲ ቦታ ብምእታው፡ ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ገይሩ።

ገለ ካብቶም ሰባት ነቲ ናይ ኮኬን ጽዕነት ክተናኽፉ እኳ እንተተረኽቡ፡ እቲ ኩባንያ ግን፡ ኣብ ዝተረከቦ ጽዕነት፡ ኮኬን ምህላዉ ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ ክብል ፖሊስ ዴኒማርክ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com