Friday , May 17 2024
Bertil Ericson/TT

ኣብ ዶባት ስእሊታትን ኣሰር ኣጻብዕን ምሕታት ተጀሚሩ።

ናይ ሓሶት መንነት ዘለዎም ሰባት ንምፍላይ ተባሂሉ ንሽወደን ዝኣትዉ ሰባት ስእሎምን ኣሰር ኣጻብዖምን ክምዝገብ ይግበር ምህላዉ ተገሊጹ። እማመ መንግስቲ ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ናብ ምዃን ገጹ የምርሕ ምህላዉ ድማ ተሓቢሩ። መንነታት ንምልላይ ዝሕግዝ ዕድላት ይውስኽ ምህላዉ ብምምልካት መንግስቲ ሓደ ንድፊ ሕጊ ኣብ ቀረባ እዋን ከውጽእ ምዃኑ ሚኒስተር ፍትሒን ማይግሬሽንን ሞርጋን ሓቢሩ።

እዚ ሪፈራል ኣብ ኣዋጅ ስደተኛታትን ስርዓተ ሓበሬታን ሸንገን ገለ ምምሕያሽ ዝገብር እማመ ዝሓቘፈ እዩ። እዚ ሕጊ ብሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ፖሊስን ሓለዋ ዶብን ከም ዝግልገልሉ ዝፍለጥ እዩ። ሽወደን ብሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት መታን ክትግዛእ ሰባት ስእሊታቶምን ኣሰር ኣጻብዖምን ከመዝግቡ ድማ ከም ኣሰራርሓ ተኣታትዩ’ሎ። ብዘይካዚ እቲ ቅጥዒ ስምን ዕለተ ልደትን ከም ዝህልዎ ድማ ተመልኪቱ። እዚ ምምሕያሽ ሕጊ ካብ ዲሰምበር 28 እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ተግባራዊ ምዃን ክጅምርን ዶባት ኣብ ምቊጽጻር ክውዕልን ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com