Sunday , May 19 2024

ኣብ ዶብ መክሲኮ ዝጸንሑ ሓተትቲ ዕቚባ ንኣመሪካ ይኣትዉ

እቶም ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ተዓጊቶም፡ ትእምርቲ ፖሊሲ ጸረ ስደተኛታት ትራምፕ ኮይኖም ዝጸንሑ ሓተትቲ ዕቚባ ትማሊ ሓሙስ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ዶብ ኣመሪካ ሕሱም ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ ስደተኛታት ኣቓልቦ ክስሕቡ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሽግሮም ንምውዳእ እዚ ምእታው ምጅማሩ ድማ ተገሊጹ።

ብመሰረት ኣህጒራዊ ውድብ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብ ግዜያዊ መዕቈቢ ማታሞሮስ (ጥቓ ብራውንስቪል ቴክሳስ) ዝነበሩ ቀዳሞት 27 ሰባት ንኣመሪካ ክኣትዉ ተጌሩ ኣሎ። ገለ ካብዞም ስደተኛታት ኣብታ ዶባዊት ከተማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ምጽንሖም ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ምምሕዳር ባይደን እዞም ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ዝወሃቦም ውሳነ ምጽባይ ከድልዮም እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ካብዚኣቶም ናብ ሳን ዩሲድሮ ካሊፎርኒያ ክሰግሩ ከም እተገብረ እውን ዝዝከር እዩ።

ኣመሓዳሪ ማእከል መዕቈቢ ማታማሮስ–ፍራንቺስኮ ጋላርዶ እዚ ፍታሕ ዋላኳ እንተደንጐየ እንኳዕ መጸ ብምባል ሓጎሱ ገሊጹ’ሎ። እዚ መዓስከር ስደተኛታት ቀዳምነት ክወሃቦ ዝተገብረሉ ምኽንያት ኣብ ዶብ ኣመሪካን መክሲኮን ዘሎ ኣዝዩ ዝሑል ኲነታት ኣየር ንሓተቲ ዕቚባ፡ ብዙሕ ስቓይ ክፈጥር ብምጽንሑ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com