Sunday , May 19 2024

ኣብ ገማግም ሊብያ፡ ሬሳ ህጻናትን ኣንስትን ከንሳፍፍ ተራእዩ

ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም፡ ናብ ኣውሮፓ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሰባት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሞይቶም እናንሳፈፉ ዘርኢ ስእሊ ምርካቡ “ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣ’ምስ” ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ገሊጹ።

ሬሳታት ህጻናትን ኣንስትን ኣብ ሑጻን ገማግምን እቲ ባሕሪ ብብዝሒ ከም እተረኽቡ’ውን ኣመልኪቱ። ኣብ 2021 ጥራይ 630 ስደተኛታት ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሞቱ ዘመልከተ ድማ IOM እዩ። ኣብ 2020 ምስ ዝሞቱ 289 ሰባት ብምንጽጻር ድማ ናህሪ ወሰኽ ሞት ስደተኛታት ምህላዉ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ’ሎ።

ሓላፊት ርክባት ትካል ገባር ሰናይ ኦፐን ኣርምስ ዝኾነት ሎራ ላኑዛ “ማእከላይ ባሕሪ ዓብዪ ጋህሲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እዩ ኮይኑ ዘሎ፥ እዚ ፈጺሙ ክኸውን ኣይምተገብአን” ክትብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ’ላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ማርዮ ድራጊ፡ ብወገኑ ነቲ ስእሊ ሬሳታት ህጻናት ድሕሪ ምርኣይ፡ ህጻናት ብከምዚ ኣገባብ ክሞቱ ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com