Saturday , May 18 2024
Requirements for negative COVID-19 tests when entering and seating for public transport journeys over 150 km will be introduced on 28 December, the Public Health Agency of Sweden announces Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ ጉዕዞ ዝግበሩ እገዳታት፡ ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ ጀሚሮም ተግባራዊ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ

ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ 150 ኪ.ሜ ርሕቀት ዘለዎም፡ ብህዝባውያን መጓዓዝያታት ንዝግበሩ ጉዕዞታት ብዝምልከት፡ ካብ ኮቪድ-19 ናጻ ምዃን ዘረጋግጽ ወረቐት ከም ሮቓሒ ክሕተት ከምዝኾነ ህዝባዊ ትካል ጥዕና ሽወደን ገሊጹ።
ብህዝባውያን መጓዓዝያታት ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ንምውሳድ ዘድልይ ናይ ወንበር ይኹን መደቀሲ ቦታ ንምሓዝ እዚ ዝተጠቕሰ ሮቓሒ ምምላእ ካብ ድሮ ልደት ጀሚሩ እዩ ተግባራዊ ክኸውን ተሓሲቡ ዝነበረ። ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ ኣብ ግዜ ጉዕዞ ዝትግበሩ መምርሕታት እዚኦም እዮም፦
ናብ ሽወደን ኣብ ዝእተወሉ ግዜ ክማልኡ ዘለዎም ሮቓሒታት፡
ናይ ካልእ ሃገር ዜጋታት ካብ ዝመጹሉ ሃገር ብዘየገድስ ናብ ሽወደን ምስ ዝኣትዉ፡ ኣብቲ ዝኣትዉሉ ሰዓት ካብ ኮቪድ-19 ናጻ ምዃኖም ከመስክሩ ክኽእሉ ኣለዎም።
ተቐባልነት ዘለዎም ዓይነታት ምርመራ PCR ወይ ድማ NAAT (nucleic symphony reamplification tests) ክኾኑ ኣለዎም።
እዚ ዕድሚኦም 12 ን ካብኡ ንላዕሊ ንዝኾነ ሰባት እዩ ዝምልከት። እቲ መርመራ እቶም ገያሾ ናብ ሽወደን ካብ ዝኣተዉሉ ሰዓት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክማላእ ኣለዎ።
እቲ ናይ ጉዕዞ ምስክር ወረቐት፡ ሽምን መዓልቲ ልደትን ናይቲ ገያሻይ፣ እቲ መርመራ ዝተወሰደሉ ግዜን ዕለትን፣ ናይ ሕማም ዓይነት ወይ ድማ በካሊ ቫይረስ (COVID-19, SARS-cov-2 ወይ ድማ ሓደ ካብቶም ጅር ቫይረሳት)፣ ዓይነት ናይቲ ዝወሰዶ መርመራ፣ ካብ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ዘርእይ ውጽኢት፣ ነቲ መርመራ ዘካየደ ብቑዕ ምዃኑ ዝተረጋገጸሉ በዓል መዚ ወይ ድማ ላቦራቶሪ ሽምን ኣድራሻን ከማልእ ኣለዎ።
እቲ ወረቐት ምስክር፡ ብቋንቋታት ሽወደንኛ፣ ኖርወይኛ፣ እንግሊዘኛ ወይ ድማ ፈረንሳይኛ ዝተጻሕፈ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ብባቡር ወይ ድማ ብኣውቶቡስ ንዝመላለሱ ተመሃሮን ካብ ሳልሳይ ሃገራት ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ደቂ ካልእ ሃገር ዜጋታት ብዝምልከት ብዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ መስራሕት ተግባራዊ ክኾኑ እዮም።
ካብ 150 ኪ.ሜ ርሕቀት ንላዕሊ ዝጓዓዛ ህዝባውያን መጓዓዝያታት፡ ኣውቶቡሳት ይኹና ባቡራት ንዘመሓድሩ ኾነ ዝኣልዩ ኣካላት ሓደሽቲ ሕግቲታ ክታኣታተው እዮም። እዚ ኣብዚ ስራሕ ዝነጥፍ ኣካል ብዝተኻእለ መጠን፡ ህዝባዊ ትካል ጥዕና ሽወደን (Public Health Agency of Sweden) ብዝፈቕዶ መሰረት ሕድሕድ ተሳፋሪ ኮፍ ዝብለሉ መንበር ወይ ድማ ዝድቅሰሉ ቦታ ምሓዙ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ።
ብተወሳኺ ድማ፡ ኣማሓደርቲ ህዝባውያን መጓዓዝያታት ኣብ ግዜ ብከላ ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምቲታት ማለት፡ ንተሳፈርቲ ብከላ ከመይ ምክልኻል ከምዝካኣል ምሕባር፣ ብዛዕባ እቶም ክውሰዱ ዝግብኦም ጥንቃቐታት ብጽሑፍ ምቕራብን ኮምኡ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕብኦም እኹል ሓበሬታ ንኽህልዎም ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com