Friday , May 17 2024

ኣብ ግጥማት ኣልስቫንስካን ሽወደን ዝደምቅ ዘሎ ናሆም ግርማይ።

ኣብዚ ዓመት ፈላማይ ናይ ላዕለዎት ዲቪዝዮን ምስ ጋንታ ሲሩስ ዘካይድ ዘሎ ናሆም ግርማይ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ክለብ ፋልከንበርይ ሸቶ ብምምዝጋብ ን ጋንትኡ ምስ ላዕለዎት ሰለስተ ክትስራዕ ኣኽኢልዋ።

ኖሆም ግርማይ ኣብ ከተማ ከተማ ክሪስታንስታድ ብ 1994 ዝተወልደ ኮይኑ ፈላሚ ጸወትኡ ገና ብንእስነቱ ኣብ 2012-13 ምስ ትሕቲ 19 ዓመት ክለብ ክሪስታንስታድ ብምጅማር ኣብ 2018 ናብ ዓባይ ክለብ ቫርበርይ ብምስግጋር ኣብ ይዕይንቲ ዓበይቲ ክለበት ሽወደን ክኣቱ ዝኸኣለ። እዚ 1.71 ቁመት ዝውንን ኣብ ማእከል ምክፍፋል ዝጻወት ናሆም ምስ ክለብ ቫርበርይ ብሙኻን ካብ 57 ጸወታታት 18 ሸቶታት ብምምዝጋብ ን ኣካይድቲ ክለብ ሲሩስ ብምስሓብ ኣብዚ ዓመት 2020 ምስ እዛ ኣብ ላዕለዋይ ዲቪዝዮን ትጻወት ክለብ ሲሩስ ን ክልተ ዓመት ኩንትራት ብምፍራም ኣብ ምጽዋት ይርከብ።  ናሆም ካብ ዘካይዶም 5 ጸወታታት ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ክልተ ድማ ቀረብ ብምግባር  ደሚቑ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com