Saturday , May 18 2024
(AP Photo/Eugene Hoshiko) XEH104

ኣብ 2020 ቁጠባ ጃፓን ብሰንኪ ኮሮና ብ 4% ኣንቈልቊሉ

ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት 2020 ቊጠባ ጃፓን ዕቤት እኳ እንተርኣየ ምስቲ ወሪድዋ ዝጸንሐ ከቢድ ሃስያ ስለ ዘይወዳደር ካብ ኣሉታዊ ዕቤት ከድሕና ከም ዘይከኣለ ቢቢሲ ሓቢሩ። ምስ ዓመተ 2019 ብምውድዳር ካብ ወርሓት ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቊጠባ ጃፓን ብ 3% ዕቤት ከም ዘርኣየ እንተኾነ ግና ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረን 5.3% ዕቤት ዝተራእየሉን ርብዒ ዓመት እንክወዳደር ገዚፍ ምንቊልቋል ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ምሉእ ዓመት ቊጠባ ጃፓን ብ 4.8 % ምሽምራሩን እዚ ድማ ድሕሪ 2009 ዘጋጠመ ዝዓበየ ቊጠባዊ ውድቀት ምዃኑን ድማ ተመልኪቱ። ናይ ዓለምና ሳልሳይ ዝዓበየ ቊጠባ ምዃና ዝንገረላ ጃፓን ብፍላይ ካብ ወርሓት ሚያዝያን ሰነን ንደሓር ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኣብ ሰደድን ውሽጣዊ ሸመታን ዘስዓቦ ሃስያ ቊጠባኣ ሓያል ወቕዒ ከም ዘጋጠሞ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቶም ክልተ ቀንዲ መዘውር ቊጠባ ጃፓን ምዃኖም ዝንገረሎን ብሕታዊ ሸመታን ሰደድን ኣብ መፋርቕ እቲ ዓመት ዝሓለፈ ዓመት ፍኒሕኒሕ ኢሉ ናብ 2.2% ዕቤት የርኢ እምበር ምስ ዝሓለፈ ዓመት ዘመዝገቦ ናይ 5.2% ዕቤት እንክነጻጸር ከም ምንቊልቋል እዩ ዝረአ። ብዓለም ደረጃ ሳልሳይን ራብዓይን ርብዒ ዓመት ዝተራእየ ቊጠባዊ ዕቤት ጃፓን ሸቐጣታ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከተውድርን ቊጠባኣ ክሰርርን ኣስትውዋጽኦ ጌሩ ኔሩ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com