Friday , May 17 2024
Center Party leader Annie Lööf. Foto: Jonas Ekströmer/TT kod 10030

ኣኒ ሉፍ ብ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ዝምራሕ መንግስቲ መንበር ንምውሳድ ተዳልያ ምህላዋ ገሊጻ።

ማእከላይ ሰልፊ ብ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ዝምራሕ መንግስቲ መንበር ንምውሳድ ድሉው ምህላዉ፡ መራሒት እቲ ሰልፊ ኣኒ ሉፍ ን ጋዜጣ ዳገንስ ኒሂተር ኣብ ሃበቶ ሓበሬታ ኣረዲኣ። እንተኾነ ግና፡ ማእከላይ ሰልፊ ን ጸጋማይ ሰልፊ ዝሕውስ ወይ ን ሰልፊ ዴሞክራትና ጽልዋ ኣብ ዝህብ መንግስቲ ከም ዘይሰማማዕ ገሊጻ’ላ። ሉፍ ሰልፋ ምስ መንግስቲ ኣብ ንጽል ጒዳያት ክላዘብ ቅሬታ የብላን፡ እንተኾነ ግና ጒዳይ ባጀት ኣብ ልዝብ ክቐርብ ፈጺማ እትፈቅድ ኣይትመስልን ክብል ኣብ ሬድዮ ሽወደን ተንታኒ ፖለቲካዊ ጒዳያት ኦማስ ራምበርግ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com