Saturday , May 18 2024

ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ ልዑል መጠን ሙቐት ጻዕርታት ጸረ ኮሮና ዕንቅፋት ይገጥሞ ምህላዉ ተፈሊጡ

ምስ ምውሳኽ መጠን ሙቐት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮጳ ዘለዉ ሰባት ነቲ ጸረ ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ዝወጸ ሕግታት ክጥሕስዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ መጠን ሙቐት ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልታት ልዕሊ 30°c ምዃኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ስፔይንን ፖርቱጋልን ድማ 35°C በጺሑ። ኣብ ብሪጣንያ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዓመተ 1976 ዝተመዝገበ፡ ዝለዓለ መጠን ሙቐት 35.9°C ተመዝጊቡ’ሎ።

ሕጊ ማሕበራዊ ምፍንታት ገና ከይተላዕለ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮጳ ዝርከቡ ሰባት ናብ ገማግም ባሕሪ ክኸዱ ከም እተራእዩ ድማ ተፈሊጡ።

ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ገዚፍ ማዕበል ሃሩር ክህሉ ከምዝኽእል ዘጠንቅቅ ማዕበል ምዉቕ ንፋስ ካብ ኣፍሪቃ ምንፋሱ ይዝከር። እዚ ልዑል መጠን ሙቐት ዘለዎ ኩነታት ንሓጺር እዋን ጥራይ ዝጸንሕ ምዃኑ ክኢላ ሜትሮሎጂ ክሪስቲና ሲሞንስ ን ኣገልግሎት ዜና ሉሳ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

ኣውሮጳውያን ነዛ ዝተረኽበት ዕድል ክብለጹላ ብምሕሳብ ናብ ገማግም ይውሕዙ ምህላዎምን ነበርቲ ናይታ ብኮሮና ኣመና እተጠቕዐት ከተማ ሚላን ናብ ለማልም ቦታታትን ቀላያትን ብምኻድ ክዘናግዑ ከም እተራእዩ ድማ ተሓቢሩ።

ሽማግለታት በዚ ቀይዲ ዝበተኸ ኣገባብ ምዝንጋዕ ግዳያት ከይኮኑ ለበዋ ቀሪቡ።

በዓልመዚ ጥዕና ሽወደን ብወገኑ ኣብ ኣብያተ ሕክምና ቨንቲለተራት ምጥቃም ነቲ ቫይረስ ከላብዖ ከም ዝኽእል ብምሕባር ኣብ ክንዳኡ ኤየር ኮንዲሽነራት ወይ መጋረጃ ጥራይ ምጥቃም ዝሓሸ ምዃኑ ምኽሩ ሂቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com