Friday , May 17 2024
Australian Prime Minister Scott Morrison (Lukas Coch/AAP Image via AP) AAPMY801

ኣውስትራልያ፡ ናብ ዓዳ ዝኣትዉ ገያሾ፡ ብፍርቂ ክትንኪ እያ

ብሰንኪ ሓድሽ ለበዳ ኮቪድ፡ ሃገረ ኣውስትራልያ፡ ናብ ዓዳ ዝኣትዉ ዜጋታታን ወጻእተኛታትን ብፍርቂ ከተጒድል ምዃና BBC ሓቢራ።

ክሳብ ሕጂ፡ ጸኒዑ ብዝጸንሐ ዕጽዋ ኣውስትራላውያን፡ ገለ ሕድገት ዝተገብረሎም ሰባትን ጥራይ እዮም ክኣትዉ ዝኽእሉ ኔሮም። ካብ ድሕሪ ጽባሕ ግን ኣውስትራልያ፡ ኣብ ሰሙን 3000 ሰባት ጥራይ ከም እትቕበልን እዚ ድማ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ክጽነሕ ምዃኑን ተገሊጹ’ሎ። እዚ መግለጺ ነቶም ካብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም ዘለዉ ብዙሓት ኣውስትራልያውያን ኣሕዚንዎም ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ኣኮት ሞሪሰን፡ እዚ ምግባርና ኣብ ኣርዓተ ውሸባ ዘሎ ጸቕጢ ንምጒዳል ክሕግዘና እዩ ኢሉ። ግዱድ ውሸባ ኣብ ሆቴላት ክግበር እኳ እንተጸንሐ፡ ብተደጋጋሚ ብዝተኸስተ ምዝራቚ እቲ ቫይረስ፡ ዳግማይ ለበዳ ክኽሰት ምኽኣሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ክሳብ ዝመጽእ ዓመት፡ ኣውስትራልያ፡ ኮቪድ ናይ ምውጋድ ጽንዕ ዝበለ ስትራቴጂ እናተኸተለት ከም እትርከብ ሞሪሰን ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com