Friday , May 17 2024
Newly-elected Nationals Leader Barnaby Joyce speaks to the media during a press conference at Parliament House in Canberra, Australia, Monday, June 21, 2021. Australian Prime Minister Scott Morrison will soon announce changes to his Cabinet after a scandal-tarnished colleague was elevated to deputy prime minister. (Lukas Coch/AAP Image via AP) CAN801

ኣውስትራልያ: ሓድሽ ገጽ ለበዳ ኮቪድ-19 ተላዒሉ

መራሕቲ ኣውስትራልያ: ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተኸስተ ሓድሽ ገጽ ለበዳ: ሎሚ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኣኼባ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብ ሲድኒ እቲ ኣዝዩ ተላባዒ ዝተባህለ ጅር ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ደልታ ከም እተራእየ ዝሓበረ ጸብጻብ ቢቢሲ: ዛጊት ኣብ 128 ሕሙማት ተረኺቡ ኣሎ ኢሉ።

ዶባታ ብምዕጻው ቊጽሪ ሕሙማት ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ኣውሪዳ ዝጽርንሐት ኣውስትራልያ ሕጂ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዋን ከም ዘላ ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት እታ ሃገር እዚ ሕማማ ክረአ ንመጀምርታ ግዜኡ እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

“ብምኽንያት ጅር ደልታ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ እዚ ለበዳ ኣቲና’ለና” ክብል ሓላፊ ቤተማል እታ ሃገር: ጆሽ ፍራይደንበርግ: ሎሚ ሰኑይ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። በዚ ድማ ንከተማታት ሲድኒን ዳርዊንን ሓዊስካ ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ጽንዕ ዝበለ ዕጽዋ ተኣዊጁ ኣሎ።

ብፍላይ ድማ ኣብታ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ዝነብሩላ ሲድኒ እዚ መምርሒታት ኣሻቓሊ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ደቡብ ዌልስ ዘሎ ዕጽዋ ናብ ግሬተር ሲድኒ፥ ብሉ ማውንቴንስ፥ ሰንትራል ኮስትን ዎሎንጎንግን ኣጠቓሊሉ’ሎ።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትካላት ቢዝነስን ዱካውንትን ተዓጽዮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com