Saturday , May 18 2024

ኣውስትራልያ ብዘይ ውሸባ ምስ ኒዊዚላንድ ዘራኽብ መስመር ጒዕዞ ትኸፍት

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሎሚ ሰኑይ፡ ካብ ኣውስትራልያ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኦክላንድ፡ ኒዊዚላንድ፡ ዝበረሩ ሰባት ሓጎሶም ብንብዓት ከም ዝገለጹ ወኪል ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ገሊጹ።

ሎሚ ሰኑይ፡ ኣሽሓት ተጓዓዝቲ፡ ካብን ናብን ክልቲኣተን ሃገራት በረራ ክፍጽሙ ተመዝጊቦም ምህላዎም እውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ክልቲኣተን ሃገራት ትርር ዝበለ መምርሒታት ተኸቲለን ኣብ ምቊጽጻር ለበዳ ኮቪድ 19 ዕዉት ስርሓት ከም ዘካየዳ እዩ ዝግለጽ።

በዚ ዜና ኣመና እተሓጐሱ ተቐማጦ ኣውስትራልያ፡ ሎሚ፡ ካብ ወጋሕታ ኣትሒዞም ናብ ዝተፈላለያ ክፋላት እታ ሃገር ንምጋሽ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ኣዕለቕሊቖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com