Saturday , May 18 2024
Novak Djokovic of Serbia gestures during his ATP World Tour Finals (AP Photo/Luca Bruno) XAF175

ኣውስትራልያ: ንቪዛ ኮኾብ ተጻዋታይ ቴኒስ ሰሪዛ

ኮኾብ ሰርብያዊ ተጻዋያት ቴኒስ ኖቫክ ጆኮቪች ናብ ከተማ መልበርን (ኣውስትራልያ) ድሕሪ ምእታዉ ቪዛኡ ክስረዝ ከም እተገብረ ተፈሊጡ። ንሱ ንብርክት ዝበላ ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ተዓጊቱ ድሕሪ ምጽናሕ: ሰብ መዚ ምክትታል ዶባት: ዘድሊ ናይ መእተዊ ረቛሒታት ስለ ዘየማልአ ክስጐጒ ወሲኖም ኣለዉ።

ድሕሪዚ ጆኮቪች: ናብ ሓደ መንግስታዊ መሐየሪ ሆቴል ከም እተወስደን ጠበቓታቱ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ምህላዎምን ተፈሊጡ።

ጆኮቪች: ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝገብሮ ጸወታ: ናይ ክትባት ዕሽሽታ ከም እተገብረሉ ድሕሪ ምግላጹ ካብ ህዝቢ ከቢድ ተቓውሞ ኣኸቲሉ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ንሱ ተኸቲቡ ድዩ ወይስ ኣይተኸትበን ዝኾነ ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃበ ዝሓለፈ ዓመት ግና ክትባት ከም ዝቃወም ገሊጹ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ጆኮቪች: ብክልተ ናጻ ናይ ሕክምና ጒጅለ ናይ ክትባት ዕሽሽታ ፍቓድ ተዋሂብዎ ምንባሩ ማሕበር ቴኒስ ኣውስትራልያ እኳ እንተሓበሩ: ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ሓለዋ ዶባት ግና እዂል መረጋገጺ ከቕርብ ኣይከኣለን ብዝብል ካብ ዱባይ ናብ መልበርን ድሕሪ ምእታዉ ክስጐጒ ምውሳኖም እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ብወገኑ: ጃኮቪች: ነዚ ጒዳይ ብውልቁ ዝተገብረ ጌሩ ከይወስዶ፥ እዚ ጒዳይ ሕጊ ምዃኑ፥ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ዝኽእል ማንም ክህሉ ከም ዘይክእልን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com