Sunday , May 19 2024
FILE - In this Sunday, Feb. 11, 2007, file photo, Al Jarreau poses with his awards for best pop instrumental performance for "Mornin'" and best traditional R&B vocal performance for "God Bless the Child" at the 49th Annual Grammy Awards in Los Angeles. Jarreau died in a Los Angeles hospital early Sunday, Feb. 12, 2017, according to his official Twitter account and website. (AP Photo/Kevork Djansezian, File)

ኣዘራቢት ኮይና ዝጸንሐት ኮሚተ: ምርቋሕ ሽልማት ግራሚ: ተሰጒጓ

ኣዘራራቢ ኮይና ዝጸንሐት ኮሚተ ምርቋሕ ሽልማት ግራሚ ተሰጒ

ኣወሃሃድቲ ሽልማት ግራሚ: ነቲ ብ ዓሎቕ፥ መድልዎን ዓሌትነትን ክኸስዋ ዝጸንሑ ስም ኣልቦ: ረቛሒት ሽማግለ ሽልማት ግራሚ: ከም ዝበተንዋ ተገሊጹ። ሬኮርዲን ኣካደሚ ነቶም ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ረቛሕቲ ኣባላት ጌሩ ናይ ዝመጽእ ዓመት ተዓወትቲን ተሰየምቲን ክመርጽ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ዛይን ማሊ፥ ሃስሊን ዝመሰሉ ስነጥበበኛታት እዚ ናይ ሕርያ መስርሕ ዘይቅኑዕን ሌላን ጒሌላን ዘለዎ እዩ ክብሉ ቅሬታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ብዘይካ’ዚ: ዘይጸዓዱ ስነጥበበኛታት ኣብዚ ጒዳይ ተመሳሳሊ ትዕዝብቲ ከም ዘለዎም ብግልጺ ክዛረቡ ምጽንሖም ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት: ካናዳዊ ደራፊ ዚ ዊከንድ ከይተረቚሐ ብምትራፉ ኣዳለውቲ ግራሚ ብልሹዋት እዮም ክብል ወቒስዎም ምንባሩ ይዝከር። ንሱ ን 52 ሰሙናት ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ብሉጻት ዝኣተወት ንጽል ደርፊ ሰሪሑ እናሃለወ እዩ ኣብዚ ምርቋሕ ዘይኣተወ።

ንደረፍቲ እውክል እየ ዝብል ዘይመኽሰባዊ ውድብ: ሬከርዲን ኣካደሚ: ምርቋሕ ተዓወትቲን ተሰየምቲን ኣብ ኢድ መረጽቲ ኣባላት ክኣቱ ኣለዎ ምባሉ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com