Sunday , May 19 2024

ኣዝማድ ወይ መቕርብ ሕሙማት ናብ ሆስፒታላት ከይበጽሑ ዝእግድ ሕጊ ክወጽእ እዩ።

ሰብመዚ ጥዕና ኣውራጃ ብለኪንግ ባብ ዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዝማድ ሕሙማት ናብ ሆስፒታላት ከይቅልቀሉ ዝእግድ ሕጊ ከውጽኡ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ። እዚ ካብ ሰሉስ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ኣትሒዙ ግብራዊ ከም ዝኸውን ድማ ተገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ናይ ምልባዕ ሓደጋ ብምምማይ ሰብመዚ ህዝባዊ ጥዕና ድሕሪ ዘውጽእዎ ገምጋም ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ። እዚ ሕማም ብፍላይ ኣብ ሽማግለታትን ብሕማም ዝሳቐዩብ ሰባት ናይ ምምሕልላፍ ሓደጋኡ ዝዓዘዘ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብ መዋእለ ሽማግለታት ተመሳሳሊ እገዳ ንኽንበር እቲ መጽናዕቲ ይጻፈፍ ምህላዉ እውን ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com