Friday , May 17 2024

ኣፍልጦ ቋንቋን ባህልን ሽወደን፡ ንዜግነት

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ዜግነት ኣመልኪቱ ክወሃቦ ዝደሊ ሰብ፡ ኣፍልጦ ቋንቋን ባህሊ ሽወደንን ከም ቅድመ ኩነት ንምቅራብ ዝዓለመ፡ ንዝቀረበ ፖለቲካዊ እማመ፡ መጽናዕቲ ክካየደሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ መንግስቲ ቀሪቡ ከም ዘሎ ሚኒስተር ፍትሒ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ፡ በዚ ቅድመ ኩነት ክጽለው ዝኽእሉ ኣካላት፡ እቶም ኣብ ሽወደን ስሩዕን መደብኛን ናይ ሞያ ትምህርቲ ዘይከዱን ብዕድሚኦም ከኣ ኣብ ክሊ 16 ክሳብ 66 ዓመት ዝዕድሚኦም ከም ዝኾኑ እቲ ዝቀረበ እማመ የመልክት። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሽወደን ንዝተወልዱን ኣብ ስሩዕ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ መኣዲ ትምህርቲ ንዝተሳተፉን፡ ምስክር ወረቀት ውጽኢት ናይ ትምህርቲ ንዘለዎም ሰባት፡ ዜግነት ንምውሳድ፡ ናይ ቋንቋ ይኹን ንባህሊ ሕብረተሰብ ሽወደን ብዝምልከት፡  ፈተና ንምግባር ግዱዳት ኣይኮኑን። እዚ እማመ’ዚ፡ ብመንገዲ ንመንግስቲ ዘቆማ ስልፍታት፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ብዝተበጽሐ ስምምዕ ዝቐረበ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ሕጊ ኮይኑ ንኽወጽእ፡ እቲ እማመ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ሕጊ ሃገር ክምራሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com