Saturday , May 18 2024
Foto: Tomas Oneborg / SvD / SCANPIX / Kod: 30142

ኣፍረይቲ መግቢ ፍርያቶም ናይ ጥዕና ረብሓ ከም ዘለዎ ከረጋግጹ ይግባእ ተባሂሉ።

ኲሎም ኣብ መፋለጢ ፍርያቶም ንጡፍ ወይ ጥዑይ ይገብር ዝብል ቃላት ዝጥቀሙ ኣፍረይቲ መግቢ ነዚ ከረጋግጹ ከም ዝግባእ ወኪል መፍረ መግቢ ሽወደን ሓቲቱ’ሎ።

ድሮ ኣብ ዕዳጋ ዘለዉ ካብዚ ሕጊ ናጻ ኮይኖም ብሕጂ ኣብ ዕዳጋ መፍረ መግቢ ዝኣትዉ ግና ነዚ መረጋገጺ ከቕርቡ ክግደዱ እዮም። እዚ ሕጊ ኣብ 2005 ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምትእትታዉ ዝፍለጥ እዩ።

“ሸመትቲ ዝገዝእዎ ፍርያት ከመይ ዝበለ ናይ ጥዕና ረብሓታት ከም ዘለዎ ብቕል ዝበለ መንገዲ ክርእዩ ዝገብር እዩI” ክትብል ኣባል ኤጀንሲ ሃገራዊ መግቢ ሽወደን ኡልሪካ ኣንደርሰን ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com