Saturday , May 18 2024

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ን ቡርኪናፋሶ ካብ ኣባልነት ኣደስኪሉ

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብሰንኪ ኣብ ቡርኪናፋሶ እተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ-መንግስቲ፥ ነታ ሃገር ካብ ኣባልነት ከም ዘደስከላ ገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ቅዋማዊ ስርዓት ናብ ቦትኡ ክሳብ ዝምለስ እታ ሃገር ካብ ኲሉ ንጥፈታት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክትእገድ እያ ክብል ገሊጹ’ሎ።

ዝሓለፋ ሰሙን ን ቡርኪናፋሶ ካብ ኣባልነት ዝኣገደ ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS) እውን ሓደ ልኡኽ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዋጋዱጉ ልኢኹ’ሎ።

ምስ ጒጅለ UN ብምዃን ድማ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ እታ ሃገር ክዘራረብ ምዃኑ ጸብጻብ BBC ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com