Friday , May 17 2024
France's President Emmanuel Macron shakes hands with Kenya's President Uhuru Kenyatta after their press conference at State House in Nairobi, Kenya Wednesday, March 13, 2019. (AP Photo/Khalil Senosi)

ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኬንያ፡ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ

ኣብ ልዕሊ ኣብ ኬንያ ዝቕመጡ ዜጋታት ምዕራብ፡ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክግበር ከም ዝኽእል ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኬንያ ገሊጹ።

እቲ ኤምባሲ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ፡ ዜጋታቱ ተወሳኺ ጥንቃቐታት ክገብሩን ምዕራባያን ብብዝሒ ዝረኣዩሉ ከባቢታት፥ ብፍላይ ድማ ኣብያተ መግቢ፥ ሱፐርማርኬታትን ዕዳጋታትን ናይሮቢ ቀንዲ ሸቶ እዚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ኤምባሲታት ኔዘርላንድስ ከምኡውን ጀርምን እውን ዜጋታተን ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብሩ ጸዊዐን ኣለዋ። ፖሊስን ትካል ጸጥታን ኬንያ ብወገኖም ዘድሊ ምክትታል ይገብሩ ምህላዎም ድሕሪ ምሕባር፡ ዝጥርጥርዎም ሰባት ኣብ ምስትላም ክተሓባበሩ ተላብዮም ኣለው።

ኬንያ ካብቲ ምስ ኣልቃዒዳ ኪዳን ዝመስረተ ኣልሸባብ፡ ብርክት ዝበለ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክወርዳ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com