Monday , May 13 2024
Credit: Fredrik Sandberg/TT

ኤሪክሰን ምስ ዳዕሽ ብዝተተሓሓዝ ጒዳይ 2.3 ቢልዮን ክሮና መቕጻዕቲ ንኣመሪካ ከፊሉ።

ጒጅለ ተለኮም “ኤሪክሰን”፡ ን ግብረሽበራዊ ውድብ ዳዕሽ ሂብዎ ተባሂሉ ዝጥርጠር ጉቦ ኣመልኪቱ፡ 2.3 ቢልዮን ክሮና መቕጻዕቲ ንኣመሪካ ምኽፋሉ ተገሊጹ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ገለ ሰራሕተኛታት ኤሪክሰን ንኣባኣት ዳዕሽ ጒቦ ሂቦም እቲ ግብረሽበራዊ ጒጅለ ኣብ ዝቆጻጸሮም ቦታታት ዒራቕ ይንቀሳቐሱ ምንባሮም እቲ ኲባንያ ተኣሚኑ እዩ። ኣብ ዓመታት 2011-2019 ሰፊሕ ከባቢታት ዒራቕ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ዳዕሽ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

ኣመሪካ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምኽልካል “ኣዋጅ ብልሽውና ወጻኢ” ዝብል ሕጊ ኣተኣትታያ ኔራ እያ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com