Friday , May 17 2024

ኤርትራዊት ቤተልሄልም ዳዊት ኣብ መንጐ ፍሉጣት መደርቲ ክረምቲ 2020 ኣብ ሬድዮ ሽወደን P1።

“ክረምቲ ኣብ P1”(Sommar i P1)  ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝቐርቡ ዓበይትን ብዙሓት ተኸታተልቲ ዘለዎ ናይ ሬድዮ መደባት ኢዩ።ዳርጋ መብዛሕትኦም ሽወደናውያን ዘድንቅዎን ከም ኣካል ባህሎም ዝርእይዎ መደብ ኮይኑ፡ወትሩ ክራማት ካብ 29 ሰነ/ 1959 ጀሚሩ ኣብ ማዕበል ዝፍኖ ተፈታዊ ናይ ሬድዮ መደብ ኢዩ።መበገሲ ናይቲ ሓሳብ ታገ ዳኒኤልሶን ዝተባህለ ሓላፊ መዛናግዒ መደባት ሬድዮ ሽወደን ዝነበረ ምዃኑ ይዝንቶ።መበቆል ናይቲ መደብ ድማ “ክረምቲ ኣብ P3” እናተባህለ ክሳብ 1993 ኣብ P1 ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ምዃኑ ኣብ ኢንሳይክሎፔድያ ዝተጽሓፈ ትሕዝቶ ታሪኽ ናይ’ቲ መደብ ይሕብር።

እዚ ካብ 20 ሰነ ማለት ንፍቀ ክራማት (Midsommar)  ክሳብ መፋርቕ ነሓሰ ስዓት 13.00 ድሕሪ ቀትሪ 

ን57 መዓልታት ምስ 58 ዝተፈላለዩ ዑድማት ኣጋይሽ ዝቐርብ መደብ እዚ፡መዓልታዊ  ናይ 90 ደቓይቕ ናይ ፈነወ ግዜ ክህልዎ እንከሎ፡ምሸት ስዓት 19.00 ድማ ደጊሙ ይቐርብ።እቲ መደብ ምስ ገለ ውሑዳት ክፋል ብቀጥታ ፈነወ ክኸውን እንከሎ፡ምስ መብዛሕትኦም ዑድማት ድማ ኣቀዲሙ ዝተካየደ ቃለ-መሕተት ኮይኑ ግዜኡን ዕለቱን ሓልዩ ዝቐርብ ኢዩ።እቲ ዝያዳ ብሉጽ ዝገብሮ ግን ፡ካብ ኩሉ ዓይነት ቀጸላታት ናይ ሕብረተሰብ ሽወደን ማለት ፖሎቲከኛታት፡ደረስቲ፡ስነ-ጥበበኛታት፡ተመራመርቲ፡መምህራን፡ሰብ ሞያ ጥዕና፡

ሓርስቶት፡ሙዚቀኛታት፡ሚንስተራት፡ተመሃሮ፡መራሕቲ ሃይማኖት፡ስደተኛታት ኮታ ኩሎም ኣርኣያ ዝዀነ ብሉጻት ዝበሉ፡ ነጻ ኮይኑ ዝተሰምዖም ሓሳባት ዝዛረበሉን ኣበርክትኡምን ጉዕዞ ህይወቶምን ዘዘንትወሉ፡ ንኹሎም ዓይነት ስምዒታት ህይወት ዝሓቊፍ ብሉጽ ኣጋጣሚ ዑድማት ኮይኑ፡ተኸታተልቲ ድማ ብተምሳጥ ዝኸታተልዎ ናይ ሬድዮ ፈነወ ኢዩ።

እዚ ናይ 61 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ መደብ እዚ፡ናይ 2020 ዑድማት ኣጋይሽ ማለት ናይ “ክረምቲ መዳሮ”(Sommarpratare)  ኣብ መደብ ሬድዮ ክረምቲ P1 ዘውግዑ ፡ድሮ ምስ ተኸታተልቲ ናይ’ቲ መደብ ካብ ዝላለዮም ሰሙናት ኣቊጺሩ ኣሎ።ፈለማ ናይ 90 ደቓይቕ መደብ እትፍልም ድማ ጓል 17 ዓመት መንእሰይ ተሓላቂት ኣከባቢ ዝዀነት ግሬታ ቱንበሪ (Greta Thunberg) እያ። ግሬታ ኣከባቢ ከይብከል ኣብ ምሕላቕ እተካይዶ ቃልሲ ፡ካብ ሃገራ ሽወደን ወጻኢ ስማ ዝተፈልጠት ፡ኣብነታዊት መንእሰይ እያ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ’ቲ ብደረጃ ዓለም ኣብ ማድሪድ ዝተኻየደ ዋዕላ ምስታፋ’ውን እፍለጥ።ኣከባቢ ካብ ኩሎም ዓይነታት ብከላታት  ከየንጻህካን መንእሰይ ከይሓዝካን ዝካየድ ሃገራዊ ጒዕዞ ከምዘየሎ ዝኣመኑ ይመስሉ ኣዳለውቲ እዚ መደብ።እንሆ ድማ በዛ በላሕ መንእሰይ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ፈለማ መደቦም ክጅምሩ ወሲኖም ይርከቡ።እዚ ነቶም ጽባሕ ነዛ ሃገር ዝርከቡ መንእሰያት ዓቢ ኣወንታ ስሚዒት ዝፈጥር ኣጋጣሚ ኢዩ።ቀጺላ ድማ  ኣብ ናይ ቀጥታ መደብ ሰነ 21/2020 ዝቐርብ መደብ ድማ ሺማ ኒያቫራኒ (Shima Niavarani)ዝተባህለ ኢራናዊት-ሸወደናዊት ስነ-ጥበበኛ ኮይና፡ናይ ቀጥታ ፈነው ይኸውን።እዛ ኣብ ቴህራን ዝተወልደት ጓል 34 መንእሰይ እዚ’ኣ ድምጻዊት ተዋሳኢትን እያ።ኣርኣያ ስደተኛታት ምዃና ክትምስክር ትመስል፡ገና መደብ ኣብ ምጅማሩ ኣብ 2ይ መዓልቲ ክትቅርብ እያ።

ከምዚ እናበለ ዝጀመረ መደብ ኣብ 4ይ መዓልቱ ኣብ ሽወደን ንሕማም ኮቪዲ-19 ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ስሞም  ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ሰብ ሞያ ጥዕና ሓደ ዝኾነ፡ ኣንደሽ ቴድኔል ክቀርብ ኢዩ።ኣንደሽ ወትሩ ንሕማም ኮቪዲ-19 ኣብ ዝውሃቡ መብሪሂታት ካብ ምጅማር እቲ ለበዳ ክሳብ ሕጂ ዳርጋ ዘይፈልጦ የሎን ክብል እደፍር።ሽወደን እትኽተሎ ፖሊሲ ኣብ ምምራሕ ዓቢ ሓላፍነት ካብ ዘለዎም ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ፡ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንመራኸቢ ብዙሓን ብሒቱ ይርከብ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኡፕሳላ ከም ዝሰርሕ ዝንገረሉ ካልእ ኣብነታዊ በዓል ሞያ ጥዕና ፕሮፊሰር ብዮርን ኦልሶን 28 ሓምለ 2020 ክቐርብ እንከሎ፡13 ነሓሰ ኣብ ኣጋ ምዝዛም ድማ ዩንግቨ ጉስታፍሶን ዝተባህለ ፕሮፊሰር ካብ ኡምዮ ዩኒቨርስቲ ንሰብ ሞያ ጥዕና ወኪሉ ኣብ’ዚ ናይ ለበዳ ግዜ ክቀርብ ኢዩ። 

ናይ ወርሒ ሓምለ ኣጋይሽ ብድምር 31 ኽኾኑ ከለዉ፡ሓንቲ ካብኣቶም ኤርትራዊት-ሽወደናዊት ቤተልሄም ዳዊት ኢሳቕ ኢያ።መንእሰይ ቤተልሄም ጓል 26 ዓመት ኮይና፡ተማሃሪት ፡ደራሲት ከምኡ ድማ ብሎጎር እያ። ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ሓሳባትን ነቀፌታትን እትጽሕፍ ቤቲ ፡ጓሉ ነቲ ካብ 2001 ጀሚሩ ብቀረባ ስድራቤቱን መቅረብቱን ኣበይ ከምዘሎ ዘይፈልጥዎ፡ንኣስታት 20 ዓመታት ምስ መሳርሕቱ ዝተኣስረ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝጽሕፉ ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ሃገርና  እዩ።’ምብኣር እዛ ጓል 7 ዓመት እንከላ ምስ ርአየቶ ናይ ዘየስተማቀረቶ ጋዜጠኛ ባብኣ ብርዒ ወሪሳ፡ድሮ ንድሕረ ባይትኣ እትድህስስ” ህይወተይ ብዘይ ብኣኻ”(Mitt liv utan dig)  እትብል መጽሓፍ ኣሕቲማ ዝዘርግሐት ሓብትና፡እንሆ ብልዑል ክብሪ ኣብ መንጐ ዓበይቲ ዑድማት ኣጋይሽ ብምኾን ንሓምለ 6/2020 ስዓት 13.00 ክትቀርብ እያ።ቤተልሄም ኣብ ኣስመራ ብታሕሳስ 30 /1993 ዝተወልደት ኮይና፡ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ሉንድ ዩኒቨስቲ ኣብ ዝብሃል እትመሃር፡4 ቋንቋታት እትመልኽ ሓንቲ ካብ ኣብነታውያን ደቀንስትዮ ሃገርና ኣብ ሽወደን እያ።

መዛዘሚ መደብ ክራማት ኣብ P1 ነሓሰ 15 ስዓት 13.00 እዩ ኽቀርብ።ኣብ’ዛ መፋነዊት መደብ እዚ’ኣ ክትቀርብ ተሓርያ ዘላ ድማ  ጓል 38 ዓመት ስነ-ጥበበኛ ላለህ ፖርካሪም (Laleh Pourkarim)እያ።እዛ ኢራን ዝመበቆላ ሽወደናዊት ስነ-ጥበበኛ እዚ’ኣ፡ ዳርጋ ኣብ ዓውደ ስነ-ጥበብ ዘይትክእሎ የሎን ክብል እደፍር።ንደርፊ ዝዀኑ ግጥሚ ትጽሕፍ፡ትደርፍ፡ናይ ምቕራጽ ድምጺ ስራሕ ትዓምም፡ጊታርን ኦርጋንን ትጻወት፡ቀንዲ ጠባይ ሒዛ ትዋሳእ ከምኡ ድማ ማናጀር ኮይና ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ትነጥፍ።እዛ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዓምዩቕ ታሪኽ ዘለዋ፡ጓል ናይ ሓደ ፍሉጥ ኢራናዊ ጋዜጠኛን ስነ-ጥበበኛን ምንባሩ ዝንገረሉ ሁስሃንግ ፓርካሪም(Houshang Pourkarim) ዝተባህለ ኣብ 1994 ከምዝተቀትለ ዝንገረሉ እዚ’ኣ፡እንሆ ምስ’ቲ ኩሉ ዝሓለፈቶ ህይወት ንምዝንታው፡ናይ መወዳእታ 90 ደቓይቕ ናይ ክረምቲ 2020  ኣብ ሬድዮ P1 ዕድምቲ ጋሻ ኮይና ክትቀርብ እያ።በዚ ኣጋጣሚ ድማ ከከምዝጥዕመኩም መንገዲ ተቋደስቲ እዚ መደብ ክትኮኑ እናዘኻኸርኩ፡ብኻልእ ዛዕባ የራኽበና እናበልኩ ክፋነወኩም።

ምንጪ ጽሑፍ ዝተፈላለዩ መወከሲታት ከምኡ ድማ ድሕረ ባይታ ናይ ዑድማት

መም ዮሴፍ ወርቀ 

ኔልደን 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com