Friday , May 17 2024

ኤርትራ፡ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ እያ—ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ናብ ኣስመራ ኣትዩ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን እዩ እዚ መግለጺ ወጺኡ ዘሎ።

ንሱ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ዶብ ጥሒሱ ዝሓዞ ቦታታት ትግራይ ለቒቑ ክስሕብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ገሊጹ’ሎ። ንሱ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ንመጀምርታ ግዜኡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ምእታዉን ተኣሚኑ እዩ። ንሱ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተገድፈ ናይ ዶብ ቦታታት እዩ ሒዙ ዘሎ ክብል ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ኣዝለቐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ቦታታት ክትክኦ እዩ። ሰራዊት ኤርትራ፡ ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድዩ ኣትዩ ወይስ ባዕሉ እዩ ዝብሉ ክትዓት ኣብ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ኣከራኻሪ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝፈጸምዎ ውዕሎ ምንኣዱን በዓል ውዕለትና እዮም ኢሉ ምምጓሱን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ክመጾ ዝጸንሐ ዓብዪ ጸቕጢ ቀንዲ ድርኺት እዚ ውሳነኡ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com