Friday , May 17 2024

ኤባ ቡሽ፡ “ንሽወደን እንተኣማመነላ ዓዲ ክንገብራ ኢና ንደሊ”

ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ሽወደን ዘለዎም ተኣማንነት ዳግማይ ከም ዝበራበር ንምግባር ኢና ንሰርሕ ዘሎና ክትብል ሓላፊት ክርስትያናዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ኤባ ቡሽ ገሊጻ። ሬድዮ ሽወደን፡ ምስ ምቕራብ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ምስ ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ቃለመሕትት ትገብር ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤባ ቡሽ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበራ ጻንሒት “ንሽወደን እንተኣማመነላ ዓዲ ክንገብራ ኢና ንደሊ” ምባላ እታ ሬድዮ ገሊጻ’ላ። ገበን ብምጒዳል፡ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ ዜጋታትና ካብ ሕማም መንሽሮ ክድሕኑ ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጒዳይ ገጠር ዕቱብ ምክታል ብምርግጋጽ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ዝጸንሖም ተኣማንነት ዳግማይ ክስንን ክንገብር ኢና–ኢላ’ላ–ኤባ ቡሽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com