Sunday , May 19 2024
A woman gets her shot of the COVID-19 vaccine, in Quito, Ecuador, Thursday, Dec. 23, 2021. The government of Ecuador has declared COVID vaccination mandatory after a marked rise of infections and the arrival of new variants of the disease. (AP Photo/Carlos Noriega) XCN103

ኤኳዶር፥ ግዱድ ክታበት ተተኣታቱ

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን; ክታበት ኮቪድ-19; ንዝበዝሑ ዜጋታት ግዱድ ከም ዝኸውን ኤኳዶር ኣፍሊጣ።

ንምሉእ ህዝቢ እታ ሃገር ኣንጻር እዚ ሕማም ዝዕጠቐሉ እዂል ብልቃጣት ከም ዘለዋ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ። እዚ ንኸይግበር እዂል ሕክምናዊ ምኽንያት ዘቕርቡ ጥራይ ካብዚ ግዱድ ክታበት ናጻ ክኾኑ እዮም። ኲሎም ካልኦት ካብ 5 ንላዕሊ ዝዕድሜኦም ዘበሉ ክኽተቡ እዮም።

ክሳብ ሕጂ፡ 77.2% ኲሎም ኣብዚ ዝርዝር ዘለዉ ዜጋታት ክልተ ብልቃጣት ክታበት ተዋሂብዎም ኣሎ ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካዚ 900 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ቡስተር (ሳልሳይ እብረ) ክታበታት ወሲዶም ኣለዉ።

እዚ ሕጊ፡ መንግስቲ መሰል ጥዕና ዜጋታቱ ከውሕስ ግዴታ ኣለዎ ካብ ዝብል ቅዋማዊ መትከል ዝተበገሰ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኦስትርያን ጀርመንን እውን ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዳ ኣብ ምቅርራብ ምህላወን ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com