Friday , May 17 2024
an Ethiopian government soldier mans a position where rocks have been placed to create a narrowing in a road leading to Abi Adi, in the Tigray region of northern Ethiopia. (AP Photo/Ben Curtis) NY662

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ

ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ስዒቡ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብሰንኪቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ትግራይ ብሰንኪ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ብውሕዱ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ጥሜት ምህላዎም ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ብዘይካ’ዚ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንናይ ወጻኢ ረድኤትን ሓገዝን ክፉታት ክኾኑ ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ ተመልኪቱ’ሎ።

ኣብ ትግራይ፡ ህጹጽ ሓገዝ እንድሕሪ ክኣቱ ዘይተጌሩ፡ ከምቲ ኣብ 1980ታት ዘጋጠመ ዓጸቦን ሞትን ከጋጥም ከም ዝኽእል ድማ መጠንቀቕታ ቀሪቡ’ሎ።

ኣብ ሽወደን እዚ ናይ 1980ታት ጥሜት በተን We are the World ከምኡ’ውን Do they know it is Christmas ዝብላ ደርፊታት ከም ዝዝከርን ዝፍለጥ እዩ።

ኣን ሊንድ “እዚ እናኾነ ትም ኢልና ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና” ክትብል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምግላጻ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ዘለዉን ዞባውያን ሓይልታት ተወሳኺ ጸቕጢ ንምግባር ዘኽእል ሓባራዊ መግለጺ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክወጽእ ትጽቢት ኣሎ ተባሂሉ’ሎ። ካብ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ዝወርድ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ኲልና እንፈልጦ እዩ ዝበለት ኣን ሊንድ፡ መግቢን ካልኦት ናይ ልምዓትን ሰብኣውን ሓገዛት ክንህብ ኢና ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com