Saturday , May 18 2024

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት) ተቐባልነት ይህብ

ኤውሮፓዊ አጀንሲ መድሃኒት (EMA) ነቲ ብኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት)፡ ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ፡ ተቐባልነት ከምዝሃቦ ሓቢሩ ክብላ ሮይተርስን ፍራንስ ፕረስ ከምዝገለጻ SVT ኣመሓላሊፉ። ኣቐድም ኣቢሉ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ነቲ ብኩንያታት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ዝፈረየ መድሃኒት፡ ተቐባልነት ከምዝሃበ ይዝከር።

ኤውሮፓዊ ኮሚሽን ንውሳኔ ኤውሮፓዊ አጀንሲ መድሃኒት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክሰማማዓሉ ትጽቢት ይግበር። ብድሕሪ’ዚ እቲ መድሃኒት፡ ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እዩ።

ኣቐድም ኣቢላ ሽወደን፡ ካብቲ ኣብ ኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት)፡ 3.6 ሚልዮን ዶዝ ክታበት፡ ብጽሒት ንኽህልዋ ተሰማሚዓ ምንባራ ይዝከር። ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ ከም ቀዳማይ እብረ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ 11 ሽሕ ዶዝ ክታበት ክበጽሓ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ሃገረ ብሪጣንያ፡ ካብቲ ኣብ ብሪጣንያዊ ሽወደናዊ ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት)፡ ካብ ትማሊ ሶኑይ ጀሚራ ኣብ ጥቕሚ ከምዘውዓለቶ ሓቢራ። ከምዝፍለጥ እዚ ብኣስትራ ዚኒካ ዝፈረየ መድሃኒት፡ ኣብ ናይ ገዛ ሙቐት ክዕቀብ ዝኽእል እንኮ መድሃኒት ምዃኑ ይፍለጥ።

ብኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ ዝፈሪ መድሃኒት፡  ብመንገዲ ኤውሮፓዊ ሕብረት ተቐባልነት ክሳብ ዝረክብ ግዜ ክወስድ እዩ ክብል ኣወሃሃዲ ክታበት ሽወደን፡ ሪካርድ ፒሪስትሮም፡ ገሊጹ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣብ መጨረሽታ ወርሒ ጥሪ ክኸውን፡ እንተዘይ ኮይኑ ግን ኣብ መጀምርያ ወርሒ ለካቲት ተቐባልነት ክረክብ ተስፋ ይገብር ክብል ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com