Friday , May 17 2024
SÖDERTÄLJE 2019-09-06 Läkemedelsföretaget Astra Zeneca Foto: Tomas Oneborg / SvD / TT / Kod: 30142 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) **

ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ንክታበት ኣስትራ ዘኒካ ኣፍልጦ ሂብዎ

ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት (EMA)፡ ንፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝኾነ ክታበት፡ ኣፍልጦ ከምዝሃበን፡ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ከምዘፍቀደን ሓቢሩ ክብል ስቬኒስካ ዳግብላደት ንሓደ ኤውሮፓዊ ምንጪ ብምጥቃስ ኣመሓላሊፉ።

ብምሉአን እተን ውዕል ዝተፈራረምናየን ኩባንያታት፡ ፍርያት ክታበተን፡ ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ተፈላጥነት ብምርካበን፡ ሑጉሳት ኢና። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ፡ መስርሕ ምርኽኻብ እዩ ክኸውን ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽወደን፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ገሊጻ።

ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ንክታበት ኣስትራ ዘኒካ፡ ተፈላጥነት’ኳ እንተሃበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ 65 ዓመት ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ብዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹ ክብል ስቬኒስካ ዳግብላደት ሓቢሩ።

ጀርመናዊ በዓል መዚ ክታበት፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ክታበት ኣስትራ ዘኒካ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 64 ዓመት ዘለዉ ሰባት ድኣ እምበር፡ ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሰባት ክወሃብ ከምዘይግባእ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ኣድማዕነት ናይቲ ክታበት ብጣዕሚ ትሑት እዩ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com