Friday , May 17 2024

እማመ ኢቫ ዮሃንሰን፡ ኣብ ጉዳያት ናብ ኤውሮፓ ዝፈልሱ ስደተኛታት

ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾነት ሽወደናዊት ኢቫ ዮሃንሰን፡ ንጉዳይ ፖሊሲ ናብ ኤውሮፓ ዝፈልሱ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ሎሚ፡ እማመኣ ኣቕሪባ። እቲ ዘቕረበቶ እማመ፡ ሰለስተ መሰረታውያን ነጥብታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጉ ሰባት ብቕልጡፍ ናብ መቦቀል ሃገሮም ከም ዝምለሱ ምግባር፡ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ቀዳመይቲ ኤውሮፓዊት ሃገር ክኸውን ዝግድድ፡ ስምምዕ ዳብሊን ክስረዝ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ምትሕብባር ክህሉ ዝግድድ መስርሕ ክህሉ ዝብሉ እዮም።

ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ስምምዕ ዳብሊን ከትርፎ ድሌት ከምዘለዎን ብሓድሽ ፖሊሲ ስደት ክትከኦ ምዃኑ ብመንገዲ ኮሚሽነር’ቲ ኮሚሽን ዝኾነት ኦርሶላ ቮን ደር ላይን ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com