Sunday , May 19 2024

እማመ “ድሕነት ዞባታት” ንሽግር ሽወደን ቦታ ዘቐይር እምበር ብመሰረቱ ዝፈትሕ ኣይኮነን ተባሂሉ

Credit: Christine Olsson/TT

መንግስቲ ን “ዞባታት ድሕነት” ኣመልኪቱ ዘቕረቦ እማመ ዝሓላፈ ሓሙስ ካብ ዝቐርብ ንደሓር ብዙሕ ነቐፌታታት የአንግድ ኣሎ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ኣብዚ እማመ ዝቐንዑ ስክፍታታት ዓሌታዊ ኣፈላላይን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ዘሎ ዘይምትእምማንን እዮም። ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ፋርስታ ንመንእሰያት ካብ ገበን ንምክልኻል ዝሰርሕ ጌር ስታክሰት፥ እዘን ዞባታት ንገበን ኣብ ክንዲ ዝከላኸላ ብዋጋ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘለዎም ኣረኣእያ ናብ ካልእ ቦታታት ከም ዝግዕዝ እየን ዝገብራ ዘለዋ ይብል። “ፖሊስ ገለ ነገር ክረኽቡ ኣለዎም፡ ስለዚ ድማ ናብ ኩሉ ምንቅስቓሶም ኣተርፍን እዩ። ናብ ኩሉ እንክትከይድ ግና ኩሉ ክጸልኣካ ይጅምር” ክብል ስታክሰት ኣተሓሳሲቡ’ሎ። እዚ እናኾነ ፖሊስ ብዘይ ዝኾነ ጭቡጥ ገበናዊ ጥርጣረ፥ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ተፍቲሽ ኣካላትን መካይንን ከካይድ ዝያዳ ስልጣን ክወሃቦ ምዃኑ፥ ካብ መንግስትን ዲሞክራስያውያን ሽወደንን ዘቕረበ ኣካታዒ እማመ ሓቢሩ። እቲ እማመ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ዝተወደበ ገበን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እዩ። ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ኣፈላላይ ዝተገብረ እገዳ ክቕጽል እዩ። ይኹን እምበር ሓደ ሰብ ከመይ ዓይነት ክዳውንቲ ለቢሱ ኣሎ ዝብል ረቛሒ ፖሊስ ንመን ክፍትሹ ከምዘለዎ ኣብ ዝመርጽሉ እዋን ኣብ ግምት ከእትውዎ ከምዝኽእሉ ማዕከን ዜና ቲቲ ጸብጺባ። ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራትስ ነዚ እማመ ብምቅዋም ኣብ ባይቶ ድምጾም ከምዝህቡ ክገልጹ እንከለዉ፡ ሰልፊ ማእከልን ሓምለዋይ እውን ነዚ እማመ ዘለዎም ነቐፍቲ ኣስሚዖም እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com