Saturday , May 18 2024

እምነት ሽወደናውያን፡ ኣብ ልዕሊ ቴግኔል ክውስኽ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ሎቬን ግን ኣንቆልቂሉ ተባሂሉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴቫን ሎቪን፡ ኣብ ኣታሓሕዛ ለበዳ ኮሮና ዝነበሮ ተቐባልነት ምንቁልቋሉን ኣብ ልዕሊ ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ፡ ቴግኔል፡ ዝነበረ ተቐባልነት ግና ምዝያዱ ዳህሳስ ኢፕሶስ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዳጊነስ ኒሂተር ሓቢራ።

ሎቬን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝነበሮ ናይ 49%  ተቐባልነት ኣብዚ እዋን ኣንቆልቊሉ ናብ 34% ምግምጋሙ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ተቐባልነት እውን ከምኡ ምንካይ ከም ዘርኣየን ካብ 30% ናብ 20% ምውራዱን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

“ናብቲ ናይ ቀደም ምትፍናንን ቊርቊስን ኣቲና ኣሎና፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ተቓወምቲ ውድባትን ዝነበሮ እምነት ኣመና ብምንካዩ፡ ክብል ተንታኒ ኢፕሶስ ኒክላስ ሸልብሪኒ ሓቢሩ።

በንጻሩ ናይ ቲግኔል ተቐባልነት ካብቲ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ዝነበሮ እኳ እንተነከየ ብልዑል መጠን ማለት 63% ዓቂቡ ይቕጽል ከምዘሎ ተፈሊጡ። ትካላት ህዝባዊ ጥዕና ተፈታውነቶም ቀጺሉ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com