Friday , May 17 2024

እስራኤል፡ ህዝባዊ ባህርያዊ ምክልኻል ኮሮና ኣጥርያ ክትከውን ትኽእል እያ ተባሂሉ

ሃገረ እስራኤል፡ ህዝባዊ ባህርያዊ ምክልኻል ሕማም ኮሮና (herd immunity) ናብ ምጥራይ ተጸጊዓ ክትከውን ከም እትኽእል ሓደ ላዕለዋይ ዶክተር እስራኤል ገሊጹ።

ኣብ ሓደ ሃገር እዂል ቊጽሪ ዘለዎም ሰባት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ባህሪ ምስ ዝፈጥሩ እዩ ሀርድ ኢምዩኒቲ ማዕቢሉ ዝበሃል። ኣብ ሕማም ኮሮና ዕድላት ምምዕባል ሀርድ ኢምዩኒቲ ካብ 65-70% ከም ዝብጽሕ ይግመት። ተመራመርቲ ብሪጣንያ ግን፡ ኣብዚ ጒዳይ ኣዝዩ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ በሃልቲ እዮም።

ሀርድ ኢምዩኒቲ በጺሕና ኢልካ ቅድሚ ምድምዳምካ ብዙሕ ምጥንቃቕ የድሊ እዩ፥ ሀርድ ኢምዩኒቲ ኣብ ዝለዓለ መጠን ክትባት እውን ክኽሰት ኣይክእልን እዩ ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራይቶን ተመራማሪት ቫይረሳት፡ ዶክተር ሳራ ፒት፡ ትገልጽ። ኣብ እስራኤል ዘሎ መጠን ለበዳ፡ ብቐጻሊ ክጐድል ምዕዛብ ከድለየና እዩ፥ ኣብዚ እዋን ብዛዕባዚ ምዝራብ ግዜኡ ኣይመስለንን ድማ ትብል።

ኣብ እስራኤል፡ ዛጊት 5.3 ሚልዮን ህዝቢ ክትባት ምርካቦምን ኣብ ዝሓለፈ ድማ 830 ሽሕ ሰባት እዚ ሕማም ከም ዘለዎም ብመርመራ ከም እተረጋገጸን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ባህርያዊ ምክልኻል ንኸማዕብሉ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣካያዲ ዝዓበየ ሆስፒታል እስራኤል (ማእከል ሕክምና ሳባ) ዝኾነ ፕሮፌሰር ኤያል ሌሻም፡ መጠን ሕሙማት እናንቈልቈል ምምጽኡ፡ ሀርድ ኢምዩኒቲ፡ ምምዕባሉ ዘመልክት እዩ ክብል ይገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com