Friday , May 17 2024

እስራኤል፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘጋጥም መጠን ሞት፡ ናብ ባዶ ወሪዱ ተባሂሉ

ስሉጥ ናይ ክታበት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ እትርከብ እስራኤል፡ ድሕሪ 10 ኣዋርሕ ዝኾነ ሓድሽ ተለካፊ ኮቪድ-19 ዘይምርካባ ገሊጻ።

ዛጊት ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ቊጽሮም 6346 ምዃኑን ምውሳኽ ከም ዘይርኣየን ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

እስራኤል፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቀዳማይ ማዕበል ኮቪድ-19 ብዕጽዋ ድሕሪ ምምካታ፡ ሓደስቲ ሕሙማት ከም ዘይተራእዩን ተገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ ምስላጥ መስርሕ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19፡ መንግስቲ እስራኤል፡ መምርሒታት ዕጽዋ ከዝልቕ ጀሚሩ።

እስራኤል ኣብ ዓለምና ዝሰፍሐ እተባህለሉ መስርሕ ክታበት ምጅማራን ክሳብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሓሙሽተ ሚልዮን ዜጋታታ ከም ዝኸተበትን ይፍለጥ። ዛጊት ካብ 9 ሚልዮን ህዝቢ እስራኤል 53% ክልተ ዶዛት ክታበት ወሲዱ ኣሎ። እዚ ድማ ከም ዓብዪ ዓወት ኢና ንርእዮ ክብል ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዳይረክተር ዝዓበየ ሆስፒታል እስራኤል ሼባ መዲካል ሰንተር፡ ዶክተር ዔያል ሊሻም፡ እስራኤል ሀርድ ኢምዩኒቲ (ብደረጃ ሕብረተ ሰብ ዝፍጠር ንለበዳ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ) ኣማዕቢላ ክትከውን ትኽእል እያ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com