Saturday , May 18 2024
An Israeli hospital is to begin vaccinating employees with a fourth dose of vaccine.(AP Photo/Sebastian Scheiner) SEB102

እስራኤል፡ 4ይ እብረ ክትባት ክትህብ ጀሚራ

ሓደ  ናይ እስራኤል ሆስፒታል፡ ን 150 ዝኾኑ ሰራሕተኛታቱ፡ 4ይ እብረ ጸረ ኮቪድ ቫይረስ ክትባት ክህብ ከምዝኾነ ተገሊጹ። እቲ 4ይ እብሪ ክትባት ክዋሃብ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፡ እቲ ክትባት ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ ምዃኑ  ንምፍታሽን ኣብ ቐጻሊ ድማ ንተወሳኺ ሰራሕተኛታት ክዋሃብ ምግባር ኣድላይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ 3ይ እብሪ ክታበት ዝወሰዱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ከምዝነበረ ይዝከር።
ኣድላይነት 4ይ እብሪ ክትባትን ንመን ክወሃብ ከመዘለዎን ንምፍላጥ ዝሐሸ ርድኢት ክንፈጥር የኽእለና እዩ” ክብል ሓላፊ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ፡ ጊሊ ሬገቭ ዮካይ፡ ገሊጹ።
ሓደ ናይ ተላባዒ ሕማማት ዘጽንዕ ጉጅለ፡ ቅድም ክብል፡ 4ይ እብረ ክትባት ንዝተወሰኑ ኣካላት ናይቲ ሕብረተሰብ ንኽዋሃብ ምኽሪ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ’ሎ። ይኹን እምበር፡ ብመዳይ ሕክምና ቅቡልነት ንኽረክብ ብእኹል መጽናዕቲ ዝተደገፈ ምርምር ተገይሩ’ዶ ኣይተገብረን ዝብል ሕቶ፡ ገና ኣብ ክርክር ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።
ምልባዕ ናይዚ ሓድሽ ኦሚክሪን ጅር፡ ኣብ እስራኤል እንዳተስፋሕፈሐ ዝመጸ ኾይኑ፡ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ዝነበሩ እገዳታት ከምዘጽናዓቶም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com