Friday , May 17 2024
An unidentified person points at the oil polution on a beach in Xuno, north west Spain Wednesday Nov. 20, 2002 a day after the Bahamas-registered 'Prestige' oil tanker carrying 77,00 metic tons, 20.5 million gallons of oil sank into the Atlantic Ocean some 152 miles (244 kilometers) off Spain. Dozens of beaches and coves have been poluted after oil leaked from the tanker last Wednesday. (AP Photo/Carmelo Alen)

እስራኤል: ብምኽንያት ብከላ: ገማግም ባሕራ ትዓጹ

ኣብ ማእከል ማያት ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ዘይቲ ፈሲሱ ኣብ ስነ-ህይወት ባሕሪ ጒድኣት ድሕሪ ምውራዱ እስራኤል ብሰንበት ኲሉ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዶባታ ምዕጻዋ ተገሊጹ። ብስንኪ እቲ ምዝራቚ ዘይቲ ኣብ 160 ኪሎሜትር ገማግም ባሕሪ እስራኤል ብቶናት ዝግመት ካርታመ ናብ ባሕሪ ምፍሳሱን ኣብ ስነ- ህይወት ባሕሪ እታ ሃገር ዝዓበየ ዕንወት ምብጽሑን ተገሊጹ።

ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ እስራኤል ጸሊም ሓፊስ ነገር ምርኣዮም ድሕሪ ምግላጾምን ስዒቡ ዝተገብረ መርመራን እዩ ምዝራቚ ነዳዲ ዘይቲ ከም ዘጋጠመ ተፈሊጡ። ሓደ ዓሳ ነባሪ ነዚ መርዛም ፈሳሲ ብምስታዩ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሞይቱ ከም እተረኽበ ሚኒስተር ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እስራኤል ሓቢሩ።

በዓልመዚ ተፈጥሮን ሐለዋን ብወገኑ እዚ ኣብ ስነህይወት ዝበጽሐ ዝዓበየ ሓደጋ እዩ ኢልዎ”ሎ። ኣብ 2014 እውን ኣብ ምድረበዳ ኣራቫ ብዘጋጠመ ምፍሳስ ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ተኣፋፊ ስነህይወት እታ ሃገር ከቢድ ዕንወት በጺሑ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com