Friday , May 17 2024

እስራኤል: ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ብዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ ዓሰርተታት ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እስራኤል: ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ብሰንኪ ዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ: ብውሕዱ 44 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

ኣብዚ ኣብ እግሪ እምባ ሜሮን ዝካየድ: ብ ላግ ብዖሜር: ዝፍለጥ ጽምብል: ካልኦት ዓሰርተታት ሰባት ውን: ኣካላዊ መጒዳእቲ ከም ዘጋጠሞም ኣገልግሎት ሃገራዊ ሓደጋ እስራኤል (ማገን ዴቪድ ኣዶም) ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ: ነዚ ኲነታት ኣዝዩ ዓብዪ ዕንወት እዩ በጺሑና ድሕሪ ምባል: ነቶም ግዳያት ክጽልየሎም ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። ፖሊስ: ተሳተፍቲ ካብቲ ቦታ ንኽርሕቁ ከም ዝገበሩን ዓሰርተታት ኣምቡላንሳት ኣገልግሎት ሕክምና ክህባ ምውዓለንን ተገሊጹ።

ኣብዚ በዓል: ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝሳተፉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ: ድሕሪ ምኽሳት ለበዳ ኮሮና ብኽንድዚ ድምቀትን ብዝሕን ዝተባዕለ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ በዓል እዩ ክትብል ቢቢሲ ኣመልኪታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com