Saturday , May 18 2024

እስፓኛ ዶባታ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክትከፍት እያ

ዶባት እስፓኛ ካብ ዕለት 21/06/2020 ጀሚሩ ንኹለን ሃገራት ኣባላት ሸንገን ክፉት ክኸውን ምዃኑ El Pais ዝርከበን ብዙሓት ኣብ ማድሪድ ዝመደበረን ማዕከናት ሓበሬታ ኣቃሊሐን። ኣቐድም ኣቢላ ሃገረ እስፓኛ፡ ዶባታ ካብ 01/07/2020 ጀሚራ ክትከፍቶ ምዃና ሓቢራ ከምዝነበረት ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንእስፓኛ ምብጻሕ ዝከኣል’ኳ እንተኾነ ጽኑዕ ዝኾነ ናይ ውሸባ መምርሒታት ክትፍጽም ዝግድድ ሕጊ ከጓንፍ ከምዝኽእል እተን ማዕከናት ሓቢረን። መንግስቲ እስፓኛ ነዚ ጽኑዕ ዝኾነ ናይ ውሸባ ሕጊ ካብ ዕለት 21/06/2020 ጀሚሩ ክስርዞ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ወቕቲ’ዚ፡ ብዙሓት በጻሕቲ (ቱሪስት) ናብ እስፓኛ ዝመጽሉ ግዜ ብምዃኑ ነታ ሃገር ጸቕቲ ፈጢሩላ ኣሎ። ማዮካ ትርከበን ደሴታት ባልያሪክ፡ እዚ ጽኑዕ ዝኾነ ናይ ውሸባ ሕጊ ክሳብ ዝስረዝ ብፍሉይ ጠመተ ክረኣያ እየን።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com