Friday , May 17 2024

እነሓጎ ባራክ ኦባማ ኣብ ኬንያ ዓሪፈን

ሳራ ኦባማ፡ እነሓጎኡ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር፡ ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ሆስፒታል ክእለያ ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝዓረፋ ዜናታት ውሽጢ ሃገር ኬንያ ሓቢረን።

እነሕጎ ባራክ ኦባማ፡ ሎሚ ሰኑይ፡ ኣብታ ምዕራባዊት ከተማ ኪሲሙ እትርከብ ሆስፒታል ጃራሞጊ ኦጊንጋ ኦዲንጋ ዓሪፈን ኣለዋ ክትብል ጓለን ንጋዜጣ ዴይሊ ኔሽን ገሊጻ’ላ። ስድራቤት መዋቲት፡ ሎሚ ሰኑይ ስርዓተ ቀብረን ንምፍጻም ኣብ ምሽብሻብ ምህላወን ከኣ ተሓቢሩ።

ኦባማ፡ ዓባየይ ሳራ፡ እናበለ ብፍቕሪ ይጽውዐን ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣደይ ሳራ፡ ኣብ ልዕሊ ኦባማ ዝወርድ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣበርቲዐን ይቃለሳ ኔረን እየን ኢሉ። ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ኣሜሪካ፡ ኦባማ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣይተወልደን፥ ሃይማኖቱ ድማ እስልምና እዩ ንዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምቅዋም መልሲ ምሃበን ዝዝከር እዩ።

ሳራ ሳልሰይቲን ዝነኣሰትን በዓልቲ ቤት ኣባሓጎ ኦባማ እየን ኔረን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com