Friday , May 17 2024
Firefighting helicopters (AP Photo/Armando Franca)

ኦርንኾልድስቪክ (Örnsköldsvik)፡ ሽዱሽተ ሄክታር ዝስፍሓቱ ጫካ ብባርዕ ይህሞኽ

 

ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኦርንኾልድስቪክ፡ ኣብ ጥቓ ብዮርና (Björna) ዝርከብ ቀላይ ፍሬትሻርነን (Frättjärnen)፡ ዘሎ ክሳብ 6 ሄክታር ዝፍሓቱ ጫካ ብሓዊ ክቃጸል ከምዝጀመረ፡ ማእከል መድሕን ቬስተርኖርላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቲ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ካብ መንበሪ ቦታታት ዝረሓቐን ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕሙ ዝተሓተን ብምዃኑ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፈጥሮ ስግኣት ከምዘየለ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም።

ኣብ ምጥፋእ ናይቲ ሓዊ፡ ክልተ ነፈርቲ (ሄሊኮፕተራት) ይሳተፋ ከምዘለዋን፡ እቲ መስርሕ፡ ትማሊ ምሉእ ለይቲን ሎሚ ውን ይቕጽል ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ሓበሬታ ገሊጾም።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com